ኣብ ጎንደር ኣብ ዝተኸበረ በዓል ጥምቀት ብዝበፅሐ ሓደጋ 9 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ሪፈራል ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ኣፍሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ጎንደር ኣብ ዝተኸበረ በዓል ጥምቀት ንኣጋይሽ ዝተዳለወ ርብራብ ኣእዋም ፈሪሱ ብዘብፀሖ ሓደጋ ትሽዓተ ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ሪፈራል ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ኣፍሊጡ።
ብምኽንያት እቲ ሓደጋ ብዙሓት ሰባት ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት ከምዘጋጠሞም ይፍለጥ።
ሪፈራል ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ጎንደር እቲ ሓደጋ ኣመልኪቱ ከምዝገለፆ፥ ብሓፈሻ በቲ ሓደጋ ዝተጎድኡ 250 ሰባት ናብቲ ሆስፒታል ተወሲዶም ኢዮም።
ጉድኣት በፂሑዎም ናብቲ ሆስፒታል ካብ ውሽጢ ዝተወሰዱ ሰባት፥ 7 ደቂ ተባዕትዮን 2 ደቂ ኣነስትዮን ብድምሩ 9 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ሜዲካል ዳይሬክተር እቲ ሆስፒታል ዶክተር ኣሸናፊ ታዘበ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ኣፍሊጦም።
መብዛሕተኦም ተሓከምቲ ግልጋሎት ሕክምና ረኸቦም ነናብ ዝመፅኡሉ ዝተመለሱ እንትኾኑ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን 80 ሰባት ኣብቲ ሆስፒታል ሕክምና እናተገበረሎም ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ካብዚኣቶም ድማ እቶም 13 ሰባት ልዑል ጉድኣት ከምዝበፅሖምን ነዊሕ ግዘ ዝወስድ ሕክማና ዘድልዮም ከምዝኾነን ዶክተር ኣሸናፊ ኣብሪሆም።