ኣብ ጎንደር ትማሊ ምስ ዝተፈጠረ ፀገም ብዝዛመድ ምስ ነበርቲ ዘተ ይካየድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ጎንደር ትማሊ ምስ ዝተፈጠረ ፀገም ብዝዛመድ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ናይ ምውዓልን ተሓታትነት ናይ ምርግጋፅን ስራሕ ከምዝተጀመረ መክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ጌታቸው ጀንበር ገሊፆም።
እቶም ርእሰ ምምሐዳርን ካልኦት ኣመራርሓ እቲ ክልልን ኣብቲ ከተማ ምስ ነበርቲ ዘተ የካይዱ ኣለዉ።
እቲ ዘተ በስለት ብዝተመልኦ መገዲ እቲ ፀገም ንምፍታሕ፣ ዘጥፍኡ ኣካላት ተሓተትቲ ንምግባርን መበገሲ እቲ ፀገም ብምፍላጥ ዘላቒ መፍትሒ ንምሃብን ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።
ዶክተር ጌታቸው ጀንበር፥ እቲ ዘጋጠመ ፀገም ንዝኾነ ይኹን ኣካል ዘይውክል መሕፈሪን ዘሕዝንን ኢዩ ኢሎም።
በቲ ፀገም ዝተጠርጠሩ ውልቀ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ናይ ምውዓልን ተሓታትነት ናይ ምርግጋፅን ስራሕ ምጅማሩ እውን ምግላፆም ተሓቢሩ።
ብምናለ ኣየነው
ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።