Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ጎንደር በዓል ጥምቀት ብስላም ንክኽበር ሕብረተሰብ ዘሳተፈ ስራሕቲ ፀጥታ ይካየድ ኣሎ – ፖሊስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ጎንደር በዓል ጥምቀት ብስላም ንክኽበር ሕብረተሰብ ዘሳተፈ ስራሕቲ ፀጥታ እናተኻየደ ከምዝርከብ መምርሒ ፖሊስ እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

በዓል ጥምቀት ኣብ ዩኒስኮ ዝተመዝገቡ ዘይድህሰሱ ሓድግታት እቲ ሓደ እንትኸውን÷ እዚ በዓል ኣብ ከተማ ጎንደር ብሰላም ንክኽበር ሰራሕቲ ሓለዋን ቅድመ ምድላውን ተጠናኺሩ እናቐፀለ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

በዚ ድማ ሕብረተሰብ ዘሳተፈ ኣወዳድባ ብምፍጣር ምንቅስቓሳት እናገበረ ከምዝርከብ መምርሒ ፖሊስ ከተማ ጎንደር ኣፍሊጡ ኣሎ።

ስሩዕ ፖሊስ ከተማ ጎንደር፣ ፖሊስ ምክልኻል ኣድማ፣ ሚሊሻን ዕጡቓት ውልቀን ወዳበ ብሎክ መሰረት ብምግባር ከባቢኡ ናይ ምሕላው  ተግባር እናሰርሐ ከምዝርከብ ተገሊፁ።

በዓል ጥምቀት ብሰላም ንክዛዘም ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ከባቢኦም ክሕልውን ኩሉ ሕብረተሰብ “ሰላም እታ ከተማ ናተይ ሰላም እዩ” ኢሉ ግድኡ ንክዋፃእ ፖሊስ ከተማ ጎንደር ፃውዒት ከምዘቕረበ ካብ ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.