Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ጎንደር ስልጠና ተሃድሶ ዝተኸታተሉ መናእሰይ ናብ ሕብረተሰብ ተፀምቢሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጎንደር ስልጠና ተሃድሶ ዝተኸታተሉ መናእሰይ ካብ ስሕተቶም ተኣሪሞም ናብ ሕብረተሰብ ከምዝተፀምበሩ ተገሊፁ።

“ብዝተሰሓሓተ መገዲ ኣብ ተግባራት ጎንፂን ህውከትን ብምውፋር ህዝቢን መንግስቲ ምብዳልና ግቡእ ከምዘይኮነ ብምግንዛብ ኣብ ቀፃሊ ሰላም ንምዕሳል ብቖራፅነት ንምስራሕ ተሰናዲእና ኢና” ክብሉ ገሊፆም።

እቶም መናእሰይ ብዘጥፍኡዎ ጥፍኣት ከምዝተናስሑ እውን ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ ኣብቲ ከባቢ ዝውገኑ ስራሕቲ ምኽባር ሰላም ብምስታፍ እንተይፈለጡ ብስሕተት ዝበደሉዎ ህዝቢ ንምኽሓስ ከምዝተዳለዉ ኣፍሊጦም።

እቶም ስልጠና ተሃድሶ ዝተኸታተሉ÷ ጎንደር ከተማ ሓዊሱ ኣብ ዞባታት ሰሜን፣ ደቡብ፣ ማኸላን ምዕራብ ጎንደርን ኣብ ትሕቲ ፅላል ሕጊ ዝፀንሑ መናእሰይ ከምዝኾኑ ግዜኢ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.