Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ግድብ ህዳሰ፣ ሓምለዋይ ኣሰርን ፍርያት ስርናይን ዝረኣናዮ ለውጢ ኣብ ፅሬት ትምህርቲ ክንደግሞ ኢና – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ግድብ ህዳሰ፣ ሓምለዋይ ኣሰርን ፍርያት ስርናይን ዝረኣናዮ ለውጢ ኣብ ፅሬት ትምህርቲ ክንደግሞ ኢና” ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መላእ ሃገር ንዝርከቡ ፈተንቲ መምህራን 12 ክፍሊ ብመርበብ ሓሬታ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መልእኽቶም ድማ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ስርዓት ፈተና ብዘይግቡእ ኩነታት ዝተፈላለየ ድሌት ብዘለዎም ኣካላት ንፀገም እናተቓለዐ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም፡፡

ኣብዚ ዓመት ካብዚ ፀገም ንምንጋፍ ንምቅላል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ግደ መምህራን ልዑል ስለዝኾነ÷ ሓላፍነቶም ብእምነት ንኽዋፅኡ ሓደራ ኢሎም።

ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ብግደኦም÷ ክሳብ ሕዚ ኣብ ከይዲ እቲ ፈተና ካብ ቅድመ ምድላው ጀሚሩ ዝነበረ ምድላው ዕዉት ከምዝኾ ገሊፆም፡፡

ብዝተጀመረ መገዲ እቲ ፈተና ብዓወት ንኽዛዘም ፈተንቲ መምህራን ሓዊሱ ኣብቲ ከይዲ ብፅሒት ዘለዎም ኣካላት ብምትሕብባርን ብሓላፍነትን ንኽሰርሑ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ኩለን ን12 ክፍሊ ተፈተንቲ ተምሃሮ ዝህባ ዩኒቨርሲቲታት ንፈተንቲ ገለፃ ዝተገበረ እንትኸውን÷ ድሕሪ ሰዓት ድማ ንተፈተንቲ ገለፃ ክዝግበር ካብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.