Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ግንባር ወሎ ኣብ ዝነበረ ውግእ ኢትዮጵያውያን ዘይኮኑ ሓይሊታት ምስታፎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣረጋጊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ግንባር ወሎ ኣብ ዝነበረ ውግእ ኢትዮጵያውያን ዘይኮኑ ሓይሊታት ምስ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ምስታፎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣረጋጊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ንላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብምድሃብ መብርሂ ሂቦም።

ኣብቲ ጦርነት ኢትዮጵያውያን ዘይኮኑን ናይ ኢትዮጵያ ዘርኢ ዘይብሎምን ፀዓዱን ፀለምቲን ምስቲ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብምዃን ብምስታፍ መስዋእትነት ከምዝኸፈሉ ተዛሪቦም።

ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ዝኸፈቶ  ጦርነትን ነቲ ጦርነት ዝመርሓሉ ዘሎ ህዝባዊ ኣካይዳን ኣመልኪቶም መብርሂ ዝሃቡ እቶም ቀዳማይ  ሚኒስትር÷ ህዝቢ  ንመከላከያ ሠራዊት ዘርኣዮ  ድጋፍ ዝነኣድ ኢዩ ኢኦም።

ብምልዕዓል ዝመፅአ ናይ ህዝቢ ሓይሊ ንምትእንጋድ ብወገን መንግስቲ እኹል ምድላው ከምዘይነበረ ተዛሪቦም።

ሐዚ ካብቲ ኩነታት መአረምታ ብምውሳድ  ስትራቴጂካዊ ብዝኾነ መልክዑ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፀም።

ኣጠቓላሊ ህዝቢ ንሰራዊት ዘለዎ ድጋፍ ካብ ዘለዎ ንላዕኢ ክጥንክር ይግባእ ኢለም።

ኢትዮጵያ ዘጋጠማ ጦርነት ካብ ሓደ ወገን ጥራሕ ከምዘይኮነ ብምርዳእ ዋጋ ንምኽፋል ዘለ ፍቕሪ ብተግባር ምግላፅ ይግባእ እውን ኢሎም።

ብዘይምንም ጥርጥር ኢትዮጵያ ነቲ ጦርነት ክትስዕር ኢያ ክብሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መግለፂኦም ኣፍሊጦም።

ንምስዓር ድማ እቲ ቁልፊ ዘሎ ኣብ ኢድና ኢዩ ብምባል፥ ሓደ ምዃን ቀትሪን ለይቲን ምስራሕ፣ ዋጋ ንምኽፋል ድልው ምዃን ኣካቲተም ገሊፀም።

እንስዕረሉ ዕድል ግን እንረኽቦ ካብ ፀላኢ ከምዝኸነ ብምሕባር፥ መረዳእታን ፕሮፓጋንዳን ብምጥቃም ምስዓር ንኽእል ኢና ኢሎም።

ጦርነት ናይ ፖለቲካ ኣተሓሳስባ መሐለዊ ናይ መወዳእታ መገዲ ከመዝኾነ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ውግእ ኣብ ዝኾነ ኩነታት ክህሉ ከምዝኽእል ብምግላፅ ጦርነት ግን ኢትዮጵያ ከምእትስዕር ኣይትጠራጠሩ ኢሎም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.