Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ግብፂ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባቡር ብውሕዱ 32 ሰባት ሞይቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ግብፂ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ባቡር ብውሕዱ 32 ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 165 ከምዝተሃሰዩን ሰብ መዚ እታ ሃገር ሓቢሮም።

ኣብ ዞባ ሶሃግ ኣብ ጥቓ ከተማ ታህታ ቅድምን ድሕሪትን ኮይነን ዝጉዓዛ ዝነበራ ሰብ ዝፀዓና ክልተ ባቡራት ብምግጫወን እየን እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ።

ኣብ’ታ ኣብ ቅድሚት ትጉዓዝ ዝነበረት ባቡር ዘይተፈለጠ ሰብ ናይ ሓደጋ ልጓም ምስ ሓዘ፥ እታ ብድሕሪኣ ትጉዓዝ ዝነበረት ባቡር መፂኣ ከምዝገጨወታ ሰብ መዚ መንግዲ ባቡር ግብፂ ሓቢሮም።

ፕሬዚዳንት ዓብደል ፈታሕ ኣል ሲሲ፥ ነቶም ነዚ ሓደጋ እዚ ብሸለልትነት ዝፈፀሙን ሓላፍነት ዝወስድሉን ሰባት ከቢድ መቅፃዕቲ ከምዝወሃቦም ገሊፆም።

“ዝኾነ ይኹን ነዚ ኣቐንዛዊ ሓደጋ ዘስዓበ ሰብ ብዘይ ምድንጓይን ኣፈላላይን ግቡእ መቕፃዕቱ ክወስድ እዩ” ክብሉ ድማ ኣብ ትዊተር ፅሒፎም።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.