Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ጋዛ ኣብ ሆስፒታል ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብውሑዱ ህይወት 500 ንፁሃን ምሕላፉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)እስራኤል ኣብ ጋዛ ሆስፒታል ኣል-ኣህሊ ባብቲስት ብዘብፀሐቶ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 500 ህይት ንፁሃን ከምዝሓለፈ ሚኒስቴር ጥዕና ጋዛ ኣፍሊጡ፡፡

ከም ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር በቲ መጥቃዕቲ ግዳይ ካብ ሞንጎ ዝኾኑ መብዛሕተኦም ደቂ ኣንስትዮኝ ህፃናትን ኢዮም፡፡

ብድጋፍ ውሕመ ዝንቀሳቐስ ሓደ ተመዛበልቲ ዝተዓቖቡሉ ቤት ትምህርቲ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ግዳይ ከምዝኾነ ተመልኪቱ፡፡

እስራኤል ብግደኣ÷ “እቲ መጥቃዕቲ ናብ ግዝኣተይ ካብ ሃማስ ወይ እውን ካብ ሂዝቦላህ ዝተወንጨፈ ሮኬት ዒላማ ስሒቱ ዝተፈፀመ ኢዩ ብምባል ጉጅለ ዕጡቓት ሓላፍነት ይውሰዱ” ክትብል ነቲ ሓበሬታ ነፂጋቶ።

መንግስታት ዓለም ብፍላይ ኣብ ሆስፒታል ጋዛ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ስኢቡ ተቓውሞኦም እናስምዑ ይርከቡ፡፡

ውድብ ሕቡራት መንግስታት እውን ሰብኣዊ ሓገዝ ንኸብፅሕ ብህፁፅ ኲናት ጠጠው ንኽብል ኣተሓሳሲቡ፡፡

ሰልፊታት ተቓውሞ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕን ካልኦት ከባቢታትን እናተርኣዩ ከምዝኾኑ እውን ኣልጀዚራን ኣርቲን ፀብፂቦም።

እስራኤል ንሆስፒታል ጋዛ ብበቦንቢ ምድብዳባ ስዒቡ ድማ ብኣሸምጋላይነት ኣሜሪካን ግብፂን ኣብ ጆርዳን ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ልዝብ እስራኤልን ፍልስጤምን ከምዝተሰረዘ ተፈሊጡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.