Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ጋዛ ሰብኣዊ ቀረብ ንምቅልጣፍ ኲናት ህድእ ንኽብል ኣባል ሃገራት ጉጅለ 7 ሓቲተን

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብኣዊ ቀረብ ንምቅልጣፍ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ጋዛ ትፍፅሞ ደብዳብ ቦምቢ ንኽተህድኦ ኣባል ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ሓቲተን።

ላዕለዎት ዲፕሎማሰኛታት እተን ሃገራት ኣብ ወሽመጥ ጋዛ ሓገዝ ንንፁሃን ንምብፃሕ “ሰብኣዊ ተኹሲ ምቁራፅ” ንኽግበር ምሕታቶም ኣልጀዚራ ፀብፂቡ፡፡

ክ ሓበሬታ ኣልጀዚራ እንተኾይኑ÷ ኣብዚ ክሕዚ እዋን ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ኣባል ሃገራት ንሓደ ወገን ዘዘምበለ ካብ ዝመሰል ውሳነ ብምውፃእ ኣብ ጋዛ ንዝርከቡ ህይወት ንፁሃን ከገድሶም ጀመሚሩ ኣሎ፡፡

ኣብ ቶኪዮ ኣብ ዝገበሩዎ ዓሚቕ ኣኼባ ድማ ኣብ ጉዳይ እስራኤል – ሃማስ ሓደ ዓይነት ቅዋም ክሕዛ ከምዝኸኣላ እቲ ፀብፃብ ኣመልኪቱ።

ሚኒስትር ጉዳያ ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን÷ ከም ምግቢ፣ ፅሩይ መስተ ማይ፣ ግልጋሎት ሕክምናን መፅለሊን ዝበሉ ቀረባት ንንፁሃን ከምዝበፅሑ ምርግጋፅ ከምዘድሊ ኣገንዚቦም፡፡

ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ብሪታንያ ፣ ካናዳ ፣ ፈረንሳይ ፣ ጀርመን ፣ ጃፓንን ጣልያንን፥ ዝተፀርሁ መሰረታዊ ቀረባትን ህፁፃት ቀረባትን ንምሕዳስ “ሰብኣዊ ምቁራፅ ተኹሲ” ድሊ ኢሎም፡፡

#America #Israel #Palestine

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.