Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ጉዕዞ ዕቤት ኢትዮጵያ ኢንቨስትመንታት ቻይና ቁልፊ ግደ ተፃቶም ኢዮም – ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጉዕዞ ዕቤት ኢትዮጵያ ኢንቨስትመንታት ቻይና ቁልፊ ግደ ተፃቶም ኢዮም ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ÷ “ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ንዝገበሩልና ድሙቕ ኣቀባብላን ንዘካየድናዮ ጠቓሚ ዘተን የመስግን” ኢሎም።

ኢትዮጵያ ንዘይተቆራረፀ ኩለመዳይ ሓገዝ ቻይና ኣዚያ ትንእድ ክብሉ እውን ገሊፆም፡፡

ከም ሃገር ዝተፈላለዩ ማሕለኻታት ነተኣናግድ እምበር ኣብ ዓውዲታት ሕርሻ፣ ማኑፋክቸሪንግ፣ ኢንዱስትሪ፣ ኣብ ቱሪዝም፣ ቴሌኮሙኒኬሽንን ካልኦት ዓውዲታትን ትርጉም ዘለዎም ስጉምቲታት ለውጢ ሰጒምና ኢና ኢሎም።

ኣብዚ ጉዕዞ ዕቤት ኢንቨስትመንታት ቻይና ቁልፊ ግደ ከምዝተፃወቱ እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣገንዚቦም፡፡

ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ኢሉ እውን ኣብ ወረቐትን ፐልፕን ዘለዉ ተተሓሓዝቲ እታወታት ኢንዱስትሪ ንምዕባይ ዓሚቕ ዓቕሚ ከምዘሎ ዝሓበሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ደ0/ር)÷ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ብፅንዓት ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.