Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ጉባኤ ዩኔስኮ 2 ሓድጊታት ኢትዮጵያ ብዓለም ለኸ ሓድጊ ንኽምዝገቡ ትፅቢት ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓደ ዝድህሰስን ሓደ ዘይድህሰስን ብድምሩ ክልተ ሓድጊታት ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህሊን ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ዩኔስኮ) ብዓለም ለኸ ሓድጊ ንኽምዝገቡ ትፅቢት እናተገበረ ምዃኑ ተገሊፁ።

ኣብ በዓል መዚ ሓለዋ ሓድጊታት ኢትዮጵያ ዳይሬክተር መፅናዕቲን ምርምርን ሓድጊ ኣንዱኣለም ግርማዬ÷ ካብ ክልላት ዝተፈላለዩ ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ሓድጊታት ኣብ ዩኔስኮ ይመዝገቡልና ሕቶታት ከምዝቐረቡን ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ናብ ዩኔስኮ ዝተለኣኹን መፅናዕቲን ምስናድን እናተገበረሎም ዝርከቡን ሓድጊታት ከምዝርከቡ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ገሊፆም፡፡

ካብ ዓውዲ ዝድህሰሱ ሓድጊታት “ባህላዊ መልክዓ ምድሪ ጌድኦ” እንትኸውን÷ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ክረአ ዝነበሮ ኮይኑ፤ ብምኽንያት ዓለም ለኸ ፅዕንቶታት እቲ ትካል ጉባኤኡ ከምዝተናወሐ ተገሊፁ፡፡

ካብ ዓውዲ ዘይድህሰሱ ሓድጊታት “ዒድ ሸዋል” ብሓድጊ ንኽምዝገብ ናብ ዩኔስኮ ከምዝተለኣኸ ዝሓበሩ እቶም ዳይሬክተር÷ እቲ ትካል ሕዳር/ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ኣብ ዘካይዶ ጉባኤ ውሳነ ከምዘመሓላልፍ ትፅቢት ይግበር፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ “ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ባሌ” ምድላው ሰነድ ተዛዚሙ ናብ ዩኔስኮ ተላኢኹ ኣብ ከይዲ ገምጋም ዝርከብ እንትኸውን÷ ከይዲ ግምገማ እንትዛዘም ዩኔስኮ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2024 ውሳነ ምዝገብኡ ከምዘፍልጥ ኣብሪሆም፡፡

ምስንዳእ ሰነድ ሓድጊታት “መልካ ቁንጡሬን ኣርኪዮሎጂካል መካነቅርስ ባልጭትን” ተዛዚሙ ኣብዚ ወርሒ ከምዝተለኣኸን ካልኦት ዘይድህሰሱ ሓድጊታት ስራሕቲ መፅናዕቲ እናተኻደሎም ከምዝኾነን እውን ገሊፆም።

“ኣብ ማሕረሰብ ሶማሌ ትግበር “ኢሳ ዘይተፃሕፈ ሕጊ” ስራሕቲ ምስናድ እናተዛዘነ ስለዝኾ ብመሰረት ዝተትሓዘሉ ግዘ ሰሌዳ ክለኣኽ ኢዩ” ኢሎም።

ብዮሃንስ ደርበው እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.