ኣብ ገላን ጉራ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ስራሕቲ ምምሃር ምስትምሃር ጀሚረን
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ትማሊ ዝተመረቓ ኣብ ገላን ጉራ ዝርከባ ሰለስተ ኣብያተ ትምህርቲ ስራሕቲ ምምሃር ምስትምሃር ጀሚረን።
እቲ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዘጀመሩ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ዘላለም ሙላቱ(ዶ/ር) ኢዮም።
እቶም ሓላፊ፥ ተምሃሮ ንምምሃር ምስትምሃር ምቹእ ብምዃን ኣብ ዝተሃነፃ ኣብያተ ትምህርቲ እናተምሃሩ ዝለዓለ ወፅኢት ንምምፃእ ፃዕሪ ንክገብሩ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።