Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ጄኔቫ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ናይ ደገፍ ሰልፊ ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ጄኔቫ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘሎ ትኽክለኛ ኩነታት ንምግላፅን ጣልቃ ኣታውነት ንምቅዋምን ዝዓለመ ናይ ደገፍ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም ሰልፈኛታት ሉእላውነት ሓንቲ ሃገር ክኽበር ይግባእ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ብፍላይ ደገፍቲ ህወሓት ብዝውዝዕዎ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ኢትዮጵያ ግቡእ ዘይኮነ ፅዕንቶ ይፍፀሙ ኣለዉ ኢሎም።

ስለዝኾነ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ ሕብረት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ደገፍቲ ህወሓት ብዝውዝዕዎ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ግንዛበ ክወስዱ ከምዘይግባእ ምሕባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.