Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ጀርመን ዝነብሩ ዳያስፖራታት ምዕራባውያን ኢስብኣዊ ተግባራት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብምፅናዕ ቅዋመን ንኸስተኻኽሉ ሓቲቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ጀርመን ሓዊሱ ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራት ኢስብኣዊ ተግባራት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብምፅናዕ ቅዋመን ንኸስተኻኽሉ ኣብ ጀርመን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን፣ ትውልደ ኢትዮጵያን ፈተውቲ ኢትዮጵያን ሓቲቶም።

ጀርመን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን፣ ትውልደ ኢትዮጵያን ፈተውቲ ኢትዮጵያን፥ ኣብ ፓርላማ ሕብረት ኣውሮፓ ዝተወከሉ ኣባላት ጀርመን፣ ንፕሬዚዳንት እቲ ፓርላማን ንመራሕቲ ሓሙሽቲኦም ቀንዲ ፓርቲታት ጀርመንን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዘለዎም ቅዋም ዝገልፅ ደብዳበ ልኢኾም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዘካየዶም ወረራታት፣ ኣብ ልዕሊ ህፃናት፣ ደቂ ኣንስትዮን ዘኽታማትን ዝፈፀሞም ኢሰብኣዊ ተግባራት፣ መጥቃዕቲታት፣ ቅትለታት፣ ምምዝባላትን ዘረፋታትን ኮኒኖም፡፡

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብሓባር ዘውፅኡዎ ፀብፃብ እቲ ሓቂ ዝቐልዐን ናይ ሕሶት ሮፓጋንዳ እቲ ግብረ ራዕዲ ዘቃለዐን ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ፅንቶ ሓደ ሓደ ምዕራባውያን ሃገራትን ወፍሪ ሚዲያታተንን ከምኡ እውን ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ተረባሕነት ኣጎዋ ዘመሓላለፈቶ ውሳነ ፍትሓውነት ዝጎደሎም ተግባራት ከምዝኾኑ ኢዮም ኣመልኪቶም ዘለዉ፡፡

እቶም ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን፡፡

ኣብቲ ደብዳበኦም ሕብረት ኣውሮፓን መንግስቲ ጀርመንን ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝፍፅሞም ወረራታትን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣፍልጦ ተዋሂቡዎም ብቅልጺ ክኹንኑ ከምዝግባእ ኣመልኪቶም።

ብዴሞክራሲያዊ መንገዲ ዝተመረፀ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓላፍነት ከኽብሩ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

መንግስቲን ህዝቢን ኢትዮጵያ ንዘካይዱዎ ልምዓትን መሊስካ ህንፀትን ኢሉ እውን ንሰላም ቀርኒ ኣፍሪካ ኣድላዪ ሓገዝ ምግባር ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.