Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዶሃ ዓለም ለኸ ቤት ትምህርቲ ኮሙዩኒቲ ኢትዮጵያ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ስርዓተ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ተግባራዊ ዝገብር ኣብ ዶሃ ዓለም ለኸ ቤት ትምህርቲ ኮሙዩኒቲ ኢትዮጵያ ተመሪቑ።

እቲ ቤት ትምህርቲ፥ ሚኒስቴር ትምህርቲን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ኳታር ዶክተር መሓመድ ቢን ኣብደልዋሕድ ኣል ሃማዲን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኳታር ሳሚያ ዘካሪያን ከምእ እውን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ ተረኺቦም ብዕሊ መሪቖምዎ።

ምኽፋት እቲ ቤት ትምህርቲ ነዊሕ ሕቶ ኣብ ከተማ ዶሃ ናይ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ዝመለሰ ከምዝኾነ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ወለዲ ደቆም ብተመጣጣኒ ክፍሊት ንኸምህሩ፣ ደቆም ባህሊን ቋንቋን ሃገሮም ንኽፈልጡ ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

ብምኽንያት ልዑል ወፃኢ ትምህርቲን ቋንቋን ደቆም ናብ ውሽጢ ዓዲ ንትምህርቲ ብምልኣኽ ተረሓሒቖም ዝነብሩ ስድራቤታት ፀገሞም ዘቃልል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኣምባሳደር ሳሚያ ኣብቲ ስነስርዓት ምረቓ ከምዝገለፁዎ፥ ምጥያሽ እቲ ቤት ትምህርቲ ብገንዘብ፣ ብናውቲ፣ ብፍልጠትን ብኣተሓባባራይነትን ሓገዝ ዝገበሩ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ቤት ዕዮታት ኳታር ከምኡ እውን ኣባላት ኮሚቴ መስረትቲ ኣመስጊኖም።

እቲ ቤት ትምህርቲ ብሙሉእ ዓቕሙ ስርሑ እንትጅምር ካብ መዋእለ ህፃናት ክሳብ ላዕለዋይ ብርኪ ተምህርቲ ንመሃብ ዘኽእሉ እኹል መምሃሪ ክፍሊታት ከምዘለዉዎ ኣብ ኳታር ዝርከብ ኤምባሲ ኢትጵያ ዘውፀኦ ሓበሬታ የመላኽት።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ስራሕቲ ምምሃር ምስትምሃሩ ኣብ ወርሒ መስከረም 2013 ዓ.ም ዝጀመረ እንትኸውን፥ ካብ መዋእለ ህፃናት ክሳብ ካልኣይ ክፍሊ ተምሃሮ ተቐቢሉ እናምሀረ ይርከብ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.