Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዳይመንድ ሊግ ራባት ኢትዮጵያዊያን ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ብ5 ሺሕ ሜትሮ ተዓዊተን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞሮኮ ራባት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዳይመንድ ሊግ ብ5 ሺሕ ሜትሮ ኢትዮጵያዊያን ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ተኸታቲለን ብምእታው ተዓዊተን።

ኣብቲ ውድድር ኣትሌት መዲና ኢሳ 14:34.16 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ቀዳመይቲ እንትትወፅእ፤ ኣትሌት ፎትየን ተስፋይ ድማ 14:34.21 ብዝኾነ ሰዓት ካልአይቲ ወፂኣ።

ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፋ ኣትሌታት መልክናት ውዱን ልኪና ኣምባውን ራብዓይን ሓምሻይን ደረጃ ብመሓዝ ውድድረን ዛዚመን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.