Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ደቡብ ወሎ ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ኲናት ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ወረዳ ቦረና 3 ሺሕን 441 ዘይሕጋዊ ጠያይቲ ብሬንን ካልኦት መሳርሒታት ኲናትን ከምዝሓዘ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ እታ ወረዳ ገሊፁ።

ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኮማንደር ጌታቸው ደረሰ፥ እቲ መሳርሒ ኲናት ካብ ደሴ ናብ ቦረና መካነ ሰላም እናተጓዓዘት ኣብ ዝነበረት ኮድ 3 መኪና መመላሲት ህዝቢ ከምዝተትሓዘ ገሊፆም፡፡

ስለዝኾነ ድማ 3 ሺሕን 441 ጠያይቲ ብሬን፣ 95 ፍረ ጠያይቲ ፍሌ ቨር ሽጉጥ፣ 3 ቺቺ ኣውቶማቲክ መሳርሒን ክልተ ተወሰኽቲ ካዝና ቺቺን፣ 1 ካዝና ከላሽን እቶም ተጠርጠርቲ ሓዊሱ ከምዝተትሓዘ ኣብሪሆም፡፡

ፖሊስ ነቲ ጉዳይ እናፃረየ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኮማንደር ጌታቸው፥ ሕብረተሰብ መሰል ዘይሕጋዊ ተግባራት እንትርኢ ንፖሊስ ሓበሬታ ብመሃብ ብሓባር ንኽሰርሕ ፀዎዖም፡፡

ብይከበር አለሙ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.