Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ደቡብ ኮሪያ ንካልኣይ ግዘ ዘንሳዕረረ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ደቡብ ኮሪያ ንካልኣይ ግዘ ዘንሳዕረረ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ስግኣት ከምዝፈጠረ ተገሊፁ።

ኣብ ደቡብ ኮሪያ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ 35 ሰባት እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም እንትኸውን፥ ብሓፈሻ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ኣብታ ሃገር 69 ሰባት ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኸቦም ኢዩ ተገሊፁ።

መብዛሕተኦም በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዝርከባ እንዳ መስተታትን ቤት ሳዕስዒትን ኢዮም ተባሂሉ።

ዋና ትኹረት መንግስቲ እታ ሃገር፥ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ዝተዋፈሩ ሰባት ኣሪኻ ብመሓዝ ምርመራ ላቦራቶሪ ምግባር ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ሃገረ ቻይና እውን ሓደሽቲ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሮም እናወሰኸ ምምፅኡ ይግለፅ ኣሎ።

እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 17 ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፉ ዝገለፀት እንትትከውን፥ ካብ ውሽጢ እዚኣቶም እቶም ሓሙሽተ ኣብ ከተማ ዉሃን ዝርከቡ ናይ ሓንቲ መንደር ሰባት ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.