Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ መድረኽ ዘተ ዳያስፖራ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤጀንሲ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣባላት ዳያስፖራ፣ ኣመራርሓታት ኮሙዩኒቲን ዝተፈላለዩ ውዳበታትን፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ንግዲን ኣካላት ሚዲያን ኣብ ዝተረኸቡሉ መድረኽዘተ ኣካይዱ።

ኣብ ዳያስፖራ ዝተፈጠረ ስምዒት ምልዕዓልን ሓድነትን ቀፃልነት ብዘለዎ መልክዑ ኣብ ልምዓትን ምዕባለን ሃገር ንምስታፍ ዘኽሉ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ እቲ ኤጀንሰሲ ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክትር ኢቲ ኤጀንሲ ወይዘሮ ሰላማዊት ዳዊት፥ ኣባላት ዳያስፖራ ኣብ ንግዲን ኢንቨስትመንትን፣ ኣብ ስግግር ፍልጠት፣ ናብ ሃገር ብዝለኣኽ ሸርፊ ወፃኢን ካልኦት ወሰንቲ ጉዳያት ልምዓት ሃገርን ዝገብሮ ዘሎ ተሳትፎ ንምጥንኻርን ቀፃልነት ክህልዎ ንምግባር ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ዝተሰርሑ ተግባራት ዝበረታትዑ ከምዝኾኑ ገሊፀን።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ እቲ ኤጀንሲ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ዝሰርሖም ቀንዲ ቀንዲ ትግባራት፣ ዘጋጠሙ ፀገማትን ዝተወሰዱ ስጉምቲታት መፍትሒን ብሓለፍቲ ስራሕ እቲ ኤጀንሲ ቀሪቡ።

ማህበረሰብ ዳስፖራ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ይምልከተኒ ኢዩ ንኽሳተፍ፥ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ዳያስፖራ ንምጥያሽ ምድላው እናተገበረ ከምዝኾነ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ካብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.