Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ሓሙሽተ ዞባታትን ሓደ ፍሉይ ወረዳን ክልል ንምምስራት ዘቕረቡዎ ሕቶ ብሙሉእ ድምፂ ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣብ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ሓሙሽተ ዞባታትን ሓደ ፍሉይ ወረዳን ብሓባር ብምዃን ክልል ንምምስራት ዘቕረቡዎ ሕቶ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።

ቅድም ክብል ኣብ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ሓሙሽተ ዞባታትን ሓንቲ ፍሉይ ወረዳን ብሓባር ሓደ ክልል ንምጥያሽ ናብቲ ቤት ምኽሪ ሕቶ ኣቕሪበን ከምዝነበራ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ እቲ ቤት ምኽሪ ብዕምቆት ምስተዛተየ ብኣፈፃሚነት ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ህዝበ ውሳነ ንኽዋደድ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑዎ።

ዞባታት ከፋ፣ ቤንች፣ ሸኮ፣ ምዕራብ ኦሞ፣ ዳውሮ፣ ሸካን ፍሉይ ወረዳ ኮንታን እቲ ሕቶ ዘቕረባ ዞባታትን ወረዳን ኢየን።

እተን ዞባታት “ተቐራራቢ ቋንቋ፣ ባህሊ፣ ታሪክን መልከዓ ምድራዊ ኣቀማምጣ ስለዘለና ብሓደ እንተንኸውን ዝሐሸ ኢዩ” ብምባል ሕቶ ኣቕሪበን ከምዝነበራ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.