Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ደቡብን ምብራቕን ሊባኖስ ንዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከባቢታት ደቡብን ምብራቕን ሊባኖስ ዘሎ ፀገም ፀፅታ እናተበኣኣሰ ብምምፅኡ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ጄነራል ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ንዜጋታቱ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ዘውፀኦ ሓበሬታ÷ ብፍላይ ኣብ ደቡብን ምብራቕን ከባቢታት ሊባኖስ ፀገም ፀፅታ እናተጠናኸረ ምምፅኡ ብምግላፅ÷ ኣብዞም ከባቢታት ዝርከቡ ዜጋታት ፈሊኻ ምፍላጥ አድላዪ ኮይኑ ከምዝተረኸበ ገሊፁ፡፡

ብምዃኑ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ወገናት ስዒቡ ብዝተቐመጠ መሰረት ስሞም ኣብ ፓስፖርት ከምዝተፅሓፈ፣ ቁፅሪ ፓስፖርትን ስልኪ ቁፅሮምን ንኸመዝግቡ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

ብመሰረት እዚ ኣብ ደቡብ ሊባኖስ (ታየር፣ ሱር፣ ቢንት ጅቤል፣ ማርጃዩን፣ ነበትዬ፣ ሳይዳን ከባቢኡን) ዝርከቡ ወገናት ብስልኪ ቁፅሪ 03-7354 51 ወይ እውን 03-87-10-89፤ ከምኡ እውን ኣብ ምብራቕ ሊባኖስ (ኣልቤክ፣ ቤካ ሸለቆን ከባቢኡን) ዝርከቡ ድማ ብስልኪ ቁፅሪ 81 77-62-51 ወይ ድማ 81-63-07-98 ብምድዋል ንኽምዝገቡ ኣተሓሳሲቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.