Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዮርዳኖስ ንስራሕ ዝዋፈሩ ኢትዮጵያውያን መሰል ዝሕሉ ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዮርዳኖስ ንስራሕ ዝዋፈሩ ኢትዮጵያውያን መሰልን ረብሓን ንምሕላው ዘኽእል ስምምዕነት ተፈሪሙ።

ሚኒስትር ስራሕን ክእለተን ሙፈሪሃት ካሚል ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ ፅሑፍ÷ ምስ መንግስቲ ዮርዳኖስ ኣብ ዮርዳኖስ ንስራሕ ዝዋፈሩ ኢትዮጵያውያን መሰልን ረብሓን ኣብ ዝሕልዉ ጉዳያት ምኽክር ብምግባር ስምምዕነት ከምዝተፈራረማ ኣፍሊጠን።

33 ሺሕ ኢትዮያውያን ኣብ ዝርከቡላ ዮርዳኖስ ዓለም ለኸ ትካል ስራሕ መለክዒታት ርክብ መስርሒን ሰራሕተኛን ሓዊሱ ወሰኽ መሃያ፣ ድሕንነቱ ዝተሓለወ ከባቢ ስራሕ፣ ሕክምናን ኢንሹራንስን ኣብ ዝምልከት ከምዝተዛተያ ፀሪሐን፡፡

“ካብዚ ብተወሳኺ ስራሕ ሰዓትን ዕረፍቲን ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ሰብ ሞያ ተደራደርቲ ክልቲአን ሃገራት ዘቕረቡዎ ረቂቅ ሰነድ ስምምዕነት ምስ ሚኒስትር ንግዲ፣ ኢንዱስትሪን ጉዳይ ሰራሕተኛን ዮርዳኖስ ዮሴፍ ሻማሊ ዓሚቕ ምኽክር ብምግባር ኣብ ስምምዕነት በፂሕና” ኢለን፡፡

ስምምነቱ ቀደም ሲል ይላኩ የነበረውን የቤት ውስጥ አገልግሎት ላይ የሚሰማሩ ዜጎችን ጨምሮ ለመጀመሪያ ጊዜ የሰለጠነ እና በከፊል የሰለጠነ የሰው ኃይል መላክን ለማካተት የሚያስችል ነው ብለዋል

እቲ ስምምነት ቅድሚ ሕዚዚ ይለኣኹ ዝነበሩ ኣብ ግልጋሎት ውሽጢ ገዛ ዝተዋፈሩ ዜጋታት ሓዊሱ ንፈለማ እዋን ዝሰልጠነን ብኽፋል ዝሰልጠነን ሓይሊ ሰብ ምልኣኽ ንምክታት ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ቅድሚ ሕዚ ኣብታ ሃገር ኣብ ስራሕ ዝተዋፈሩ ኢትዮጵያውያን ዘካትት ስምምዕነት ከምዝኾነ ዝተሓበረ እንትኸውን÷ በቢዓመቱ ወሰኽ መሃያ ምግባር እውን ኣብ ግቡእ ዘእተወ ኢዩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.