Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዩክሬን ልዑል ወተሃደራዊ ኣኼባ ጉዳይ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዩክሬን ልዕሊ 20 ሃገራት ዝሳተፋሉ ልዑል ወተሃደራዊ ኣኼባ ጉዳይ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ሎሚ ኣብ ብሪታኒያ ክካየድ ኢዩ።

ኣብቲ ኣኼባ ብሪታንያን ፈረንሳይን ኣብ ዝመርሕኡ ልእኽቶ ምኽባር ሰላም ብጥምረት ዝኣተዋ ሃገራት ላዕለዎት ወተሃደራዊ መራሕቲ ዝሳተፉ እንተኾን÷ ኣብ ከይዲ ኣተገባብራ ብዕፅው ክዝትዩ እዮም ተባሂሉ፡፡

ትካል ቃል ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)ን ሕብረት ኣውሮፓን እውን ከምዝሳተፋ ተገሊፁ፡፡

ብምዕራባዊያን ሃገራት ዝምራሕ÷ ወታደራት ዓቀብቲ ሰላም ዩክሬን ዝዋፈረሉ ትልሚ ናብ ተግባራ ምዕራፍ እናተሰጋገረ ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ብሪታንያ ሰር ኬር ስታርመር ተዛሪቦም፡፡

ፈረንሳይን ብሪታንያን ወታደራተን ናብ ዩክሬን ንምልኣኽ ፍቓደኛ ምዃነንን ካልኦት ሃገራት እቲ ጥምረት ብዝተፈላለዩ መገዲ ደገፈን ከምዝገብራ ምግላፆም ኣሶሼትድ ፕሬስ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.