Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዩንቨርስቲ ዓዲግራት ዝተተኸለ መሳርሒ መመርመሪ ቫይረስኮሮና ዕላዊ ስርሑ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብልዕሊ ብር 6 ሚልየን ወፃኢ ዝተገበረሉ ብሓልዮት ማሕበር ቀዳሞት ተምሃሮ ኣግኣዚ ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካን ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዝተበርከተ መሳርሒ መመርመሪ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ማእኸል ላቦራቶሪ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ተመሪቑ ዕላዊ ስርሑ ከምዝጀመረ ተገሊፁ።

ኣብቲ ስነስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ጎዲፋይ ከምዝሓበርዎ፥ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት፣ ኢንስቲቱዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይን ማሕበር ቀዳሞት ተምሃሮ ኣግኣዚን ዘበርከትዎ ሓገዝ ዝንኣድ ኢዩ።

ኣብ ትግራይ በቢከባቢኡ ዝግበር ዘሎ እወንታዊ ተግባር ንዋታዊ ሓገዝ መከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ሓላፊ፥ እቶም ሎሚ መዓልቲ ዝተተኸሉ ሜሽናት ካብ ምምርማር ቫይረስኮሮና ብዝዘለለ ንካልኦት ተዛመድቲ ሕማማት መመርመሪ ስለዘገልግሉ ግቡእ ጥንቃቐ ብምግባር ክንጥቀመሎም ይግባእ ኢሎም።

ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ዶክተር ዛይድ ነጋሽ ብግደኦም፥ እቲ ልዕሊ ብር 6 ሚልዮን ወፃኢ ዝተገበረሉ ኣብ ማእኸል መመርመሪ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ዝርከብ ሜሽን ኣብ መዓልቲ ካብ 400  ክሳብ 1 ሺሕን 500 ናሙና ክምርምር ዝኽእል ከምዝኾነን ኣብቲ ዓውዲ ልዕሊ 18 ዝሰልጠኑ ሰብ ሞያ ከምዝርከቡን ኣብሪሆም።

ካብ ምርምር እቲ ቫይረስ ጎድኒ ንጎድኒ ማእኸል ፅንዓትን ምርምርን ኮይኑ ከምዘገልግል እውን ኣረዲኦም።

ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ሹሻይ መረሳ፥ እቲ ዝተገበረ ድጋፍ ናይ መላእ ህዝብታት ዞባ ምብራቕ ትግራይ፣ ህዝብታት ክልል ዓፋር፣ ኤርትራን ፀገም ከምዘቃልል ኣረዲኦም።

ስለዝኾነ ሰፊሕ ፀገም ሕብረተሰብ ዝፈትሕ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ካብዚ ብተወሳኺ በብርኩ ዝርከብ ሕብረተሰብን ተወለድትን ፈተውትን ኣብ መኸተ ቫይረስኮሮና ዘበርከትዎ ዘሎ ግደ ንኢዶም።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ዓበይቲ ዓዲ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልልን ሰብ ሞያ ጥዕናን ተረኺቦም እዮም።

ፍልፍል፦ ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ዞባ ምብራቕ ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.