Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዩንቨርስቲ ሃዋሳ ብዘጋጠመ ሓደጋ መጉዳእቲ ዘጋጠሞም ተምሃሮ ክትትል ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ዩንቨርስቲ ሃዋሳ ብዘጋጠመ ሓደጋ መጉዳእቲ ዘጋጠሞም ተምሃሮ ክትትል ሕክምና ይግበረሎም ከምዘሎ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

ሎሚ ንጎሆ ኣብቲ ዩንቨርስቲ ዝፍተኑ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ክልተ ካምፓሳት እቲ ዩንቨርስቲ ዘራኽብ ቢንቶ ብምፍራሱ ነቲ ቢንቶ ዝሳገሩ ዝነበሩ ውሑዳት ተምሃሮ ጉድኣት ከምዘጋጠሞም ተገሊፁ።

እቶም ተምሃሮ ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ሃዋሳ ሕክምና ይግበረሎም ከምዘሎ እቲ ዩንቨርስቲ ኣፍሊጡ።

እቶም ጉድኣት ዘጋጠሞም ተምሃሮ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝወሃብ ፈተና ከምዝሳተፉ ብምግላፅ፥ ካልኦት ተምሃሮ በቲ ኣጋጣሚ ከይተረበሹ ተረጋጊዖም ንክፍተኑ ሚኒስቴር ትምህርቲ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ብብርሃኑ በጋሻው

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.