Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዩኔስኮ ዝተጣየሸ ዓለም ለኸ ኮሚሽን ናይ መወዳእታ ፀብፃቡ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብፕሬዚዳንት ሳህለ ወርቅ ዘውዴ ዝምራሕን ኣብ ቀፃሊ ዕድል ትምህርቲ ዓለም ኣድሂቡ መፅናዕቲ ንኽገብር ብዩኔስኮ ዝተጣየሸን ዓለም ለኸ ኮሚሽን ናይ መወዳእታ ፀብፃቡ ኣፅዲቑ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ዝቕፅል ወርሒ ጥቅምቲ ዝካየድ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዩኔስኮ ዝቐርብ እቲ ፀብፃብ ውፅኢት መፅናዕቲ፥ “ናይ ቀፃሊ ዕድላትና ብሓባር ምግንዛብ” ብዝብል ርእሲ ዝተዋደደ ኢዩ፡፡

ትምህርቲ ኣብ ቀፃሊ ኣንፈቱ እንታይ ክኸውን ኣለዎ ኣብ ዝብል ጉዳይ ንኹሉ ዝሓቁፍ፣ ፍትሓዊን ዘላቒን ናይ ቀፃሊ ዕድል ንምዕዋት ትምህርቲ መሰረታዊ ግደ ክፃት ከምዘለዎ ትኹት ዝህብ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እቲ ኮሚሽን ካብ መላእ ዓለም ዝተውፃእፅኡ ፍሉጣት ሰብ ሞያ ትምህርቲ ከምዘካተተ ተገሊፁ፡፡

እቲ ፀብፃብ ኣብ ታሪኽ ዩኔስኮ ሳልሳይ እንትኸውን፥ ብጓል ኣንስተይቲን ካብ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዝመፅትን እንትምራሕ ፈላማይ ምዃኑ ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.