Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ጎፋ ወረዳ ገዜ ጎፋ ብዘጋጠመ ሃንደበታዊ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ቁፅሪ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 146 ከምዝበፅሐ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ጎፋ ወረዳ ገዜ ጎፋ ብዘጋጠመ ሃንደበታዊ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ቁፅሪ ዝሞቱ ሰባት ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 146 ከምዝበፅሐ ኣካቢ ኣብ ሓደጋ እዋን መሊስካ እግሪ ምትካል ኮሚቴ ኣይተ ሃብታሙ ፌተና ገሊፆም።

እቶም ኣካቢ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ኣለሻ ደቂ ኣኒስቲዮን ህፃናትን ሓዊሱ 96 ደቂ ተባዕቲዮ ናይ ዝርከብዎም ልዕሊ 146 ወገናት ኣስከሬኖም ከምዝተረኸበ ገሊፆም።

ኣለሻ ኣስከሬን ሐዚ እውን ተጠናኺሩ ይቕፅል ምህላዉ እውን ሓቢሮም።

ቁፅሪ መወትትቲ ካብዚ ንላዕሊ ክውስኽ ከምዝኽእልን እቲ ስራሕቲ ምድሓን ነብሲ ተጠናኺሩ ምቕፃሉን ኣይተ ሃፍታሙ ምዝራቦም ጉዳያት ኮሚኒኬሽን እቲ ዞባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፁ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.