Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ጎፋ ብዘጋጠመ ጋህሲ መሬት ንሓደጋ ንዝተቓልዑ ዜጋታት ዝኸውን 10 ሚሊየን ብር ደገፍ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጎፋ ብዘጋጠመ ጋህሲ መሬት ንሓደጋ ንዝተቓልዑ ዜጋታት ዝኸውን 10 ሚሊየን ብር ደገፍ ተገይሩ።

እቲ ደገፍ፥ ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ተፀዋዕቲ ትካላቱን፣ ባንኪ ኣዋሽ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ባንኪ ኣዋሽ 7 ሚሊየብ ብር፣ ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ተፀዋዕቲ ትካላቱን 3 ሚሊየን ብር ከምዝለገሱ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒን ዳይሬክተር ሪጂን ወላይታ ሶዶ ባንኪ ኣዋሽ ዘላለም በቀለን እቲ ደገፍ ነቲ ዞባ ኣረኪቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.