Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ጉራጌ ንተመዛበልቲ ወገናት መስርሒ ገዛ ዝኸውን ልዕሊ 45 መኪና ዕንፀይቲ ድጋፍ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ጉራጌ ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ወረዳን ከተማን ንተመዛበልቲ ወገናት ወረዳ ምብራቕ መስቃን ማረቆን ንመስርሒ ገዛ ዝኸውን ልዕሊ 45 መኪና ዕንፅይቲ ድጋፍ ተገይሩ።

እቲ ዝተገበረ ድጋፍ ኣብ መንጎ ሕብረተሰብ ወረዳ ምብራቕ መስቃን ማረቆን ብዝተፈጠረ ፀገም ፀጥታ ምኽንያት መንበሪ ገዝኦም ዝዓነዎም ወገናት ዝውዕል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ከተማ ቡታጅራን ወልቂጤን፣ ወረዳታት ሶዶንሶዶን፣ መስቃ፣ ቸሃ፣ እዣ፣ ጌታን ጉመርን ኢሉ እውን ቡኢ፣ ቀቤና፣ ምሁር ኣክሊል፣ እምድብር፣ እነምርን ኤነርን እቶም ኣመሓደርቲ ናውትታት መስርሒ ገዛ ድጋፍ ነቲ ኮሚቴ ኣረኪቦምዎም።

ብተወሳኺ ድማ ወረዳ ሶዶ 110 ኩንታል ዒልቦ፣ ዩኒቨርሲቲ ወልቂጤ 340 ስጋጃ፣ ማሕበር ልምዓት ባህሊ ጉራጌ 100 ኮቦርታ፣ ምምሕዳር ዞባ ጉራጌ 79 ፍራሻት፣ ንተመዛበልቲ ወገናት መስቃን ማረቆን ድጋፍ ገይሮም።

ኣብቲ ርኽክብ ድጋፍ፣ ኮሚቴታት ተኸላኸልቲን መድሐንትን  ቅልውላው ስግኣት ሓደጋ ዞባ ጉራጌ፣ኣመራርሓታት ወረዳ ምብራቕ መስቃን ማረቆን ከምዝተረኸቡ ካብቲ ዞባ ኮሙዩኒኬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

ኣመራርሓታት ክልቲኡ ወረዳታት ንዝተገበረ ድጋፍ ብስም ህዝብን መንግስትን እቲ ወረዳ ምስጋና ኣቕሪቦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.