Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ጉራጌ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝድግፍ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ጉራጌ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ሃገራዊ ለውጢን ዝድግፍ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

ካብ ወረዳታት ዞባ ጉራጌ ዝተውፃእፅኡ ክፋላት ሕብረተሰብ ኢዮም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ እናሃቡዎ ዝርከቡ ኣመራርሓ ለውጢን ዓወትን ብምንኣድ ከምኡ እውን ኣብ ጎኖም ጠጠው ከምዝብሉ ብምርግጋፅ ኣብ ከተማ ቡታጅራ ተረኺቦም ሰልፊ ድጋፍ ኣካይዶም፡፡

እቶም ሰልፈኛታት፥ “ዝዓበየ ጉዕዞ ለውጢና ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ክጠናኸር ኢዩ፣ ምስ ብልፅና ዕዉታት ክንከውን ኢና፣ ኣብ መቓብር ጁንታ ብልፅግና፣ ሰላምን ሓድነት ህዝቢን ክልምልም ኢዩ” ዝብሉን ካልኦት መልእኽቲታትን ከምዘመሓላለፉ ካብ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ክልል ደቡብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.