Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ደቡብ ጎንደር ብኲናት ዝዓነዉ ትካላት መርሃ ግብሪ ዳግመ ህንፀት ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ጎንደር ብኲናት ዝዓነዉ ትካላት መርሃ ግብሪ ዳግመ ህንፀት ተጀሚሩ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ይልቃል ከፋለ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ከምዝሓበሩዎ÷ “ኲናት መዕነዊን መጥፍኢን ብምዃኑ ኢትዮጵያ ናብ ኲናት ዝኣተወት ህልውና ንምኽባር እምበርፈቒዳ ኣይኮነን ኢሎም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር÷ ብሓድነት ጠጠው ምባል እንተተኻኢሉን ሕብረት እንተሃሊዩን ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ኣብ ሓፂር እዋን መሊስካ ምህናፅ ከምዝከኣል ኣብሪሆም።

ኣብ ኩሎም ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ብኲናት ዝዓነዉ ትካላትን መሰረተ ልምዓታትን መሊስካ ንምህናፅን ንምጥያሽን ኣድላዪ ዘበለ ርብርብ ከምዝግበር ኣፍሊጦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.