Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ንምጅማር ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ “ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ንመርኣያ ልምዓትን መኸተን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ምልዕዓል መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ ዓዲ ጉደም ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ካብ ክልል፣ ወረዳታትን ጣብያታትን ዝተውፃእፅኡ ሓላፍቲ ስራሕ መንግስቲን ነበርቲ እቲ ዞባን ተረኺቦም።

ምክትል ኣመሓዳሪን መተሓባበሪ ዘፈር ቁጠባን እቲ ዞባ ኣይተ ሃፍቱ ወላሞ፥ ስራሕቲ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ካብ ዝጅመር ከባቢ 35 ዓመታት ከምዝገበረን ክሳብ ሐዚ ድማ መስተንክራዊ ዝኾኑ ስራሕቲ ልምዓት ከምዝተሰርሑን ገሊፆም።

ቀንዲ ዕላማ እቲ ዘተ፥ ስራሕቲ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ተጠናኺሩ ንክቕፅል ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ተዋዲዱ ንኽሰርሕ ትኹረት ዝገበረ ምዃኑ ገሊፆም።

ኣብ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ትግራይ ክኢላ ዘፈር ሃፍቲ ተፈጥሮን ውሕስና ምግብን ኣይተ ደስታ ገብረስላሴ ብወገኖም፥ ብብርኪ ክልል ተጀሚሩ ዘሎ ወፍሪ ምልዕዓል ዕቀባ ሓመድን ማይን ኣብ ኩለን ከባብታት ክልል ትግራይ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ከምኡ’ውን ልምዕትን ውቅብትን ክልል ንምፍጣር ኩሉ ሕብረተሰብ ክረባረብ ከምዝግባእን ኣተሓሳሲቦም።

ኣብዚ ተጀሚሩ ዘሎ ምልዕዓል ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን፥ ብተወፋይነት ከምዘገልግሉ ዝገለፁ ድማ ካብ ኩለን ወረዳታትን ጣብያታትን ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያ ሕርሻ ኢዮም።

ፍልፍል፦ ድወት

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.