Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ቦረና ዘጋጠመ ፀገም ሕፅረት ማይ ንምፍታሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ ኣብ ዞባ ቦረና ዘጋጠመ ፀገም ሕፅረት ማይ ንምፍታሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም፡፡

ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ኣብ ዞባ ቦረና ብድርቂ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ዝገበረ እንትኸውን፥ እቲ ሓገዝ 7 ሚሊየን ብር ዝግገመት ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ሕሩጭ ምሸላ ባሕሪ፣ ሩዝ፣ ዘይቲ፣ ሽኮር፣ ጨውን ካልኦት ናውቲን ኣብቲ ሓገዝ ተኻቲቱ፡፡

እቶም ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ኣብ ዝገበሩዎ መደረ፥ ”ዝተገበረ ዝርከብ ሓገዝ እኹል ኣይኹን እምበር ዝከኣለና ብፅሒት ንምውፃእ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ቅድሚ ሕዚ ካብ ባዕሉ ሓሊፉ ንኻሊእ ዝተርፍ ማሕበረሰብ ኣብዚ ሕዚ እዋን በቲ ድርቂ ጉድኣት ከምዝበፅሖ ገሊፆም፡፡

ይኹን እምበር ኣብቲ ዞባ ዘጋጠመ ድርቂ ድሕሪ ክልተን ሰለስተን ዓመታት ታሪኽ ኮይኑ ንኽተርፍ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኣብሪሆም፡፡

ብታሪኩ ለገሰ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.