Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ቦረና ብልዕሊ 754 ሚሊየን ብር ዝህነፅ ፕሮጀከት ፅሩይ መስተ ማይ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ቦረና ብልዕሊ 754 ሚሊየን ብር ዝህነፅ ፕሮጀከት ፅሩይ መስተ ማይ ዕላዊ ኮይኑ።

ኣብቲ ስነ ሰርዓት ሚኒስትር ዴኤታ ማይን ኢነርጂን ኣምባሳደር ኣስፋው ዲንጋሞ፣ ምክትል ዳይሬክተር ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብዱል ካማራን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ተረኺቦም።

እቲ ፕሮጀክት ካብ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ በዝተረኸበ ዝህነፅ ከምዝኾነ ኣምባሳደር ኣስፋው ዲንጋሞ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።

ኣብቲ ከባቢ ንዘጋጠመ ድርቂ ንምፅዋር ዘኽእል ህንፀት ፅሩይ መስተ ማይ ንምስፋሕ ነዝግበር ትልሚ ሓደ ኣካል ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ሎሚ ኣብ ዝተገበረ ቀዳማይ ዙር ምብሳር እቲ ፕሮጀክት፥ ኣብ ቀፃሊ ዙር ብ60 ሚሊየን ዶላር ንዝትግበር ህንፀት ፅሩይ መስተ ማይ ስምምዕነት ከምዝተፈፀመ ገሊፆም።

እቲ ፕሮጀክት ብህፁፅ ብምዝዛም ንተረባሕቲ ንምርካብ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውዳድ ከስራሕ ኢዩ ኢሎም።

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.