Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ብዘይ ሕጋዊ መገዲ እናተዘዋወረ ዝነበረ 289 ናይ ቱርኪ ሽጉጥን 2 ባዓል ሓደ እግሪ ከላሽንን ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ግንቦት፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)መበገሲኣ ወረዳ መተማ ጣቢያ ኮኪት ዝገበረት መኪና ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ኲናት ሒዛ እንትትንቀሳቐስ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒላ።

እታ ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ኲናት ሒዛ ትንቀሳቐስ ዝነበረት ናይ ፅዕነት ተሽከርካሪት ኣይሱዚ፥ መሳርሒታት ኲናትን ጠያይቲን ብምፅዓን ሎሚ መዓልቲ ንጉጉሆ ሰዓት 12 ኣብ መእተዊ ከተማ ገንዳ ውሃ ዝርከብ ኬላ ብዝተገበረ ፍተሻ ከምዝተትሓዘ ካብ ኮሙዩኒኬሽን መምርሒ ፖሊስ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ትሕቲ ስፖንዳ መፅዐኒ እታ ተሸከርካሪት ብዝተበየደ ተወሳኺ ስፖንዳ ውሽጢ ከምዝተረኸበ እውን ተገሊፁ።

እቶም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ኲናት፥289 ሽጉጥ ቱርኪ፣ ክልተ ባዓል ሓደ እግሪ ከላሽን፣ 4 ሺሕን 337 ጠያይቲ ሽጉጥ ቱርኪን 185 ጠያይቲ ብሬንን ኢዮም።

ሹፌር እታ ተሽከርካሪት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ ምርመራ እናተገበረሉ ከምዝኾነ እውን እቲ መምርሒ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.