Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ወረዳ ቁምቢ ብሓደጋ ትራፊክ ህይወት 6 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ወረዳ ቁምቢ ብሓደጋ ትራፊክ ህይወት ሽዱሽተ ሰባት ምሕላፉ ፖሊስ እቲ ዞባ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ኮሙዩኒኬሽንን ሚዲያ ዲቪዥንን ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ዞባ ኢንስፔክተር ቶሎሳ ጐሹ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ ሎሚ መዓልቲ ረፋድ ከባቢ ሰዓት ኣርባዕተ ኮድ ቁፅሪ 3 -75091 ኦሮ ዝኾነት ናይፅዕነት ኣይሱዙ መኪና ካብ ወረዳ ጎሎኦዳ ናብ ወረዳ ቁምቢ ዝተፈላለዩ ሸቐጣትን 20 ሰባትን ፅዒና እንትትከይድ ኢያ ተገልቢጣ።

ቢቲ ሓደጋ ህይት ሽዱሽተ ሰባት ሽዑ ንሽዑ እንትሓልፍ ኣብ ልዕሊ 12 ሰባት ድማ ልዑል ጉድኣት ብምብፅሑ ንተወሳኺ ሕክምና ናብ ሆስፒታል በደኖ ከምዝተወሰዱ ገሊፆም።

እቲ ሓደጋ ብምኽንያት ልዕሊ ዓቐን ምፅንን ብልዑል ቅልጣፈን ዘጋጠመ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ኣሽከርካሪ ንግዚኡ ካብቲ ከባቢ ከምዝተሰወረን ብኣባላት ፖሊስ እታ ወረዳ ክትትል እናተገበረሉ ከምዝኾነን እውን ኣብሪሆም።

ብተሾመ ሃይሉ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.