ኣብ ዞባ ማጃንግ በረድ ሓዊሱ ብዝወቕዐ ዝናብ ኣብ ልዕሊ 3 ሺሕ 800 ሄክታር ዝራእቲ ጉድኣት በፂሑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣብ ዞባ ማጃንግ ወረዳ ጎደሬ ኣብዚ ሰሙን በረድ ሓዊሱ ብዝወቕዐ ዝናብ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ 3 ሺሕ 800 ሄክታር ዝራእቲ ጉድኣት ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።
ኣመሓዳሪ ወረዳ ጎደሬ ኣይተ ይስሃቅ ኣብርሃም በረድን ንፋስን ተሓዊሱዎ ዝወቕዐ ዝናብ ኣብታ ወረዳ ዝርከባ ጣቢያታት ልዕሊ 3 ሺሕ 800 ሄክታር ዝራእቲ ብኣትክልቲን ፍረምረን ልዑል ጉድኣት ከምዝበፅሐ ገሊፆም፡፡
ብምኽንያት እቲ ጉድኣት ሕብረተሰብ ውሕስና ምግቢ ንምርካብ ስለዝፅገም ካብ ብሕዚኡ ንምፍታሕ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብ ቢሮ ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።