Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ መተከል ዝተፈጠረ ፀገም እቲ ጁንታ ህንፀት ህዳሰ ግድብ ንምትእጉጓል ምስ ሓይሊታት ጥፍኣት ተዋዲዱ ብምስርሑ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት 30፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ መተከል ዝተፈጠረ ፀገም እቲ ጁንታ ህንፀት ህዳሰ ግድብ ንምትእጉጓል ምስ ሓይሊታት ጥፍኣት ተዋዲዱ ብምስርሑ ከምዝኾነ ዋና ኣተሓባባሪ ዝተዋደደ ገብረ ሓይሊ ዞባ መተከል ሌተናል ጄኔራል አስራት ዴኔሮ ገሊፆም።

ኣብቲ ዞባ ነበርቲ ጉባ ኣብቲ ከባቢ ዘላቒ ሰላም ንክነግስ ግደኦም ከምዝዋፅኡ ኣረጋጊፆም።

ኣብቲ ዞባ ዝተጣየሸ ግብረ ሓይሊ ምስ ነበርቲ ተዛቲዩ።

እቶም ነበርቲ፥  ኣብቲ ከባቢ ዘላቒ ሰላም ንክነግስ ግደኦም ከምዝዋፅኡ ኣረጋጊፆም።

እቲ ግብረ ሓይሊ ድሕሪ ምጥያሹ ኣብቲ ከባቢ ሰላምን ፀፅታን ምምሕያሽ የርእይ ከምዘሎ እውን ገሊፆም።

ዋና ኣተሓባባሪ ዝተዋደደ ገብረ ሓይሊ ዞባ መተከል ሌተናል ጄኔራል አስራት ዴኔሮ፥ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ፀገም ፀፅታ ንምፍታሕ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ናብ ልምዓት ንምእታው ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ እውን ሓቢሮም።

ኣብ ዞባ መተከል ዝተፈጠረ ፀገም እቲ ጁንታ ህንፀት ህዳሰ ግድብ ንምትእጉጓል ምስ ሓይሊታት ጥፍኣት ተዋዲዱ ብምስርሑ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ሕብረተሰብ ሓድነቱ ብምጥንኻር ሰላም ምርግጋፅን ንልምዓት ምልዕዓልን ከምዘለዎ ኣገንዚቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.