ኣብ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋ ህዝባዊ ሰልፊ ተኻይዱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2017(ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ክልል ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋ ዝተጀመረ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ዝሓትት ህዝባዊ ሰልፊ ተኻይዱ።
ኣብቲ ህዝባዊ ሰልፊ ምስ መንግስቲ እቲ ክልል ስምምዕነት ብምፍፃ ሰላም ንኸዓስል ቆራፅነቶም ንዘርአዩ ኣመራርሓ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ምስጋና ቀሪቡ።
ኣብ ጫካ ዝርከቡ ዕጡቓት ኦነግ እውን ንፃውዒት ሰላም መንግስቲ ምላሽ ብመሃብ ናብ ካምፕ ብምእታው ሰላማዊ ኣማራፂ ንኽኽተሉ ፃውዒት ተመሓላሊፉ።
ህዝቢ ብስእነት ሰላም ኣብ ውሽጢ ብዙሓት ፀገማት ከምዝርከብ መልእኽቲ ዘመሓላለፉ እቶም ሰልፈኛታት፤ ኣብ ጫካ ዝተረፉ ዕጡቓት ፃውዒት ህዝቢን መንግስቲን ብምኽባር ብሰላም ንኸኣትዉ ኣገንዚቦም፡፡
ኣብቲ ሰልፊ ኣባገዳታት፣ ሃደ ሲንቄታት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ኣቦታት ሃይማኖት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ተሳቲፎም፡፡