ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ህዝባዊ ሰልፊታት ይካየዱ ኣለዉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ህዝባዊ ሰልፊታት ይካየዱ ኣለዉ።
እቶም ህዝባዊ ሰልፊታት ኣብ ከተማታት ጎንደር፣ ደብረ ታቦር፣ ደባርቅ፣ ደብረ ማርቆስ፣ ሃርቡ፣ መተማ ዮሃንስ፣ ወረታ፣ ሊበን፣ ንፋስ መውጫ፣ ሰቆጣን ካልኦት ከተማታትን ኢዮም እናተኻየዱ ዝርከቡ፡፡
ኣብቶም ህዝባዊ ሰልፊታት መንግስቲ ኣብቲ ክልል እናካየዶ ዝርከብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ዝድግፉ መልእኽቲታት እናተመሓላለፉ ይርከቡ፡፡
እቶም ሰልፈኛታት ፃውዒት ሰላም መንግስቲ ንድግፍ፣ ፅንፈኛ ሓይሊታት ናብ ሕጊ ይቕረቡልና፣ ክልልና ማእኸል ሰላምን ልመዓትን ንምግባር ኩልና ንሰላም ዘብዒ ክንከውን ኢና፣ መንግስቲ ሰላም ንምዕሳል ዝወስዶም ስጉምቲታት ንደግፍ ዝብሉን ካልኦት መልእኽቲታትን ኣመሓላሊፎም።