Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝተፈላለዩ ግምባራት ንሰራዊት ምክልኻል ንዘበረታትዑ ሰብ ሞያ ኪነ-ጥበብ ምስጋና ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ኣብ ዝተፈላለዩ ግምባራት ንሰራዊት ምክልኻል ንዘበረታትዑ ሰብ ሞያ ኪነ-ጥበብ ምስጋና ኣቕሪቦም።

እቶም ኣፈ ጉባኤ ኣብ ግምባር ማይ ፀብሪ ብምርካብ ንግብረ ራዕዲ ህወሓት ግቡእ ቅፅዓት ንዝሃቡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣበረታቲዖም።

ኣብቲ እዋን ፍሉጣት ኣርቲስታት፣ ጉጅለ ሙዚቃን ቲያትርን ፌዴራል ፖሊስን ቤት ህንፀትን ነቲ ሰራዊት ዘነቓቕሑ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ኪነ-ጥበብ ቀሪቦም።

ኣብ ልዕሊ ሃገር ዝተኸፈተ ኲናት ንምምካት ኩሉ ብህልኽን ኣይድፈርን በሃላይነትን ኣብ ዝተፈላለዩ ግምባራት ይሳተፍ ኣሎ ዝበሉ እቶም ኣፈ ጉባኤ፥ ሰብ ሞያ ኪነ-ጥበብ እውን ክሳብ ግምባር ብምምፃእ ብምብርትታዕን ብምንቕቓሕን ልዑል ብፅሒት ከምዝወሰዱ ገሊጾም።

ኣይተ ኣገኘሁ ተሸገር፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ግምባራት ተረኺቦም ንሰራዊት ምክልኻል ንዘበረታትዑ ሰብ ሞያ ኪነ-ጥበብ ምስጋና ኣቕሪቦም።

“ናይ ቁርፂ እዋን ደቂ ሃገር ብሙዚቃ ምንቕቓሕ ዝነኣሰ ናይ ሞያ ግቡእ ኢዩ” ዝበሉ እቶም ሰብ ሞያ ኪነ-ጥበብ ብግደኦም፥ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ክሳብ ዝጠፍኡ ሞያዊ ኣበርክቶኦም ከምዝቕፅሉ ተዛሪቦም።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.