Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ዞባ ምዕራብ ሸዋ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ኣባልት ግብረ ራዕዲ ሸኔ ተደምሲሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ዞባ ምዕራብ ሸዋ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ኣባልት ግብረ ራዕዲ ሸኔ ከምዝተደምሰሱን ብዙሓት ድማ ከምዘተማረኹን ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

እቲ ኣገልግሎት ከምዝሓበሮ፥ ካብ 2 ጥቅምቲ ክሳብ 8 ሕዳር 2014 ዓ.ም ብፌዴራል ፖሊስ፣ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኦሮሚያን ሚሊሻን ብሓባር ብዝተኻየደ ኦፕሬሽን ኣብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት እቲ ዞባ እናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ ኣባላት ግብረ ራዕዲ ሸኔ ተደምሲሶም ኢዮም።

ኣብ ትሕቲ ምዕራብ ሸዋ ዝርከቡ ወረዳታት ዳኖን ጅባትን 63 ዕጡቓት፣ ኣብ ወረዳ ኣምቦ 47፣ ኣብ ኣቡነ ግንደ በረት 235፤ ብሓፈሻ 345 ዕጡቓት ስጉምቲ ተወሲዱዎም።

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ጦር መራሕቲ ከምዝኾኑ እውን ተሓቢሩ።

ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎ ሓይሊ እቲ ግብረ ራዕዲ ዝቖሰለ እንትኸውን፥ ብዙሓት ኢዶም ንኣካላት ፀፅታ ከምዝሃቡ ተሊፁ።

ካብዚ ብተወሳኺ ብዙሓት ሸሊኾም ዝኣተዉ ሰለይቲ እቲ ጉጅለ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ኢሉ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.