Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ምስ ዝርከቡ መናእሰይ ተወለድቲ ክልል ትግራይ ዘተ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምስ ዝርከቡ መናእሰይ ተወለድቲ ክልል ትግራይ ዘተ ከምዝካየድ ፕሬዚዳንት ሊግ መናእሰይ ፓርቲ ብልፅግና ኣክሊሉ ታደሰ ገሊፁ።

ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ኣብ ክልል ትግራይ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ እናተሰርሐ ፀኒሑ ምዝዛሙ ዝዝከር ኢዩ፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምስ ነበርቲ እቲ ክልል ብምዃን ስሩዕ ስራሕቲ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ናብ ምምራሕን ናብ ዝነበሮ ኩነታት ናይ ምምላስ ስራሕቲን እናሳለጠ ይርከብ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ፈፃሚ ስራሕ ሊግ መናእሰይ ፓርቲ ብልፅግና ብዘመሓላለፎ ውሳነ ምሰረት ብምግባር፤ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ንመናእሰይ ዘለዎ ረብሓ፣ እዋናዊ ኩነታት እቲ ክልልን ካብ መናእሰይ ዝግበር ትፅትን ኣመልኪቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ምስ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ዘተ ክግበር ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ብመሰረት እዚ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘተ ዝግበር እንትኸውን፥ ኣብ ቀፃሊ ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ትግራይ ከምዝቕፀልን ውድባ ሊግ መናእሰይ ፓርቲ ብልፅና ብሓዱሽ መልክዑ ንምጥያሽ ምስ ጊዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ብምዃን ከምዝሰርሕን ካብፓርቲ ብልፅግና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.