Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት “ምብዛሕ ፈተናታት  ካብ ጉዕዞ ብልፅግና ደው ኣየብለናን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዚያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ”ምብዛሕ ፈተናታት ካብ ጉዞ ብልፅግና ደው ኣየብለናን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ዘተ መንእሰያት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እናተሳለጠ ይርከብ።

ኣብ ክልል ጋምቤላ እናተሳለጠ ዝርከብ እቲ መድረኽ ምኽክር መንእሰያት ክልል ጋምቤላን ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ክልልን ምስ ኣመራርሓ ውድብ ብልፅግና እቲ ክልል ተዛቲዮም።

ሓላፊት ዓውዲ ፖለቲካ ሊግ መንእሰያት ውድብ ብልፅግና ወይዘሪት ኣባንግ ኩመዳን፥ ክፋል መንእሰያት ዓቕሚ ልምዓትን ሓይልን ብምዃን ናይ ፅባሕ ናይ ክልልና ኢሉ እውን ተረከብቲ ሃገር ንምዃን ጠንኪሮም ክሰርሑ ይግባእ ኢለን።

ኣብቲ ዘተ ኣባላት ካቢኔ እቲ ክልል፤ ኣመራርሓን ኣወዳድባን ከምኡ እውን ኣባላት ሊግ መንእሰያት ክልል ጋምቤላ እናተሳተፉ ከምዝርከቡ ካብ ፕረስ ሴክሬታሪያት እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

ብተመሳሳሊ ጉባኤ ውድብ ብልፅግና ˝እጃም መንእሰያት ውሳነታት ተግባራዊ ኣብ ምግባር˝ ብዝብል ርእሲ መንእሰያት ክልል ሃረሪ ተዛትዮም።

ነቲ መድረክ ዝመርሕዎ ሓላፊ ዘፈር ሊግ ፖለቲካ መንእሰያት ኣባል ኣፈፃሚ ስራሕ መንእሰይ ይልማ ተረፈ፤ ኣብ ውሳነታት እቲ ጉባኤ ተመርኪዞም መንእሰያት ረብሓኦምን መሰሎምን ንኽክበር ብዕምቖት ሓሳቦም ዘቕርቡሉ መድረኽ ምዃኑ ሓቢሮም።

ብተሾመ ሃይሉ

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.