Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ብሕብረት ግብራ ራዕዳውያን ዝተፈተኑ መጥቃዕትታት ምፍሻሉ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀጥታን ድሕንነትን ፌዴራል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ብሕብረት ግብራ ራዕዳውያን ዝተፈተኑ መጥቃዕትታት ምፍሻሉ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀጥታን ድሕንነትን ፌዴራል ኣፍሊጡ።

እቲ ግብረ ሓይሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥  ኣባላት ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት፣ ግንባር ነፃነት ጋምቤላ (ጋነግ)፣ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ጉሙዝ (ጉህዴን)ን ኦነግ ሸኔን ተሓባቢሮም ኣብ ክልል ጋምቤላ፣ ኣብ ከተማ ጋምቤላን ከባቢኡን፤ ከምኡ እውን ኣብ ከተማታት ጊምቢን ደምቢዶሎን ኣብ ቀረባ እዋን መጥቃዕቲ ንምፍፃም ዝገበርዎ ፈተነ ብሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀጥታን ድሕንነትን ፌዴራልን ብህዝቢ እተን ከባብታን ምፍሻሉ እቲ ግብረ ሓይሊ ኣፍሊጡ።

እቲ ግብረ ሓይሊ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ብርክት ዝበሉ ከምዝማረኸን 137 ኣባላት እቶም ራዕዳውያን ከምዝደምሰሰ ኣብ መግለፂኡ ገሊፁ።

በዚ ድማ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብታ ክልል ዝነበረ ፀገም ፀጥታ ብምውጋድ እቲ ከባቢ ናብ ንቡር ምንቅስቓስ ሰላሙ ንክምለስ ምግባሩ መግለፂ እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ኣረዲኡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቶም ራዕዳውያን ስዕረቶም ንዘይምቕባል ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ከባቢ ከተማ ጊንቢ ኣብ ዝርከብ ቀበሌ ቶሌ፤ ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበሉ ህፃናትን ሰላማውንን ዘስካሕክሕ ጉድኣት ምብፅሖም ኣዘኻኺሩ።

ካብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ፣  ኣካላት ፀጥታን ድሕንነትን ክልል ኦሮሚያ ዝተኣኻኸበ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ካብ 7 ሰነ ክሳብ ሓምለ 7 2014 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ ወፍሪ ልዕሊ 153 ኣባላት እቶም ራዕዳውያን ከምዝደምሰሰን ልዕሊ 900 ኣባላት ድማ ብምምራኽን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ብምውዓልን ጉዳዮም ብሕጊ የፃሪ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

በዚ ድማ ብርክት ዝበሉ መሳርሕታት ኲናትን ካልኦትን ምሓዙ እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

ብካልእ ወገን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እዛ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ካልኦት ሓይልታት ፀጥታን ብምትሕብባር ምስቲ ግብረ ራዕዲ እንትቃለሱ ዝነበሩ ኣባላት ፋኖ ሎሚ ኣብታ ክልል ንዝተረኽበ ሰላምን ፀጥታን ግደኦም ከምዘበርከቱ እቲ መግለፂ ፀሪሑ።

ይኹን እምበር ኣብታ ክልል ብሽም ፋኖ ሰላምን ፀጥታን እታ ክልል ዝህውኹ ዝነበሩ ፅንፈኛታት ብህዝብን ሓይልታት ፀጥታን ፈተኖም ምፍሻሉ እቲ መግለፂ ኣረዲኡ።

በዚ ድማ ውሳነ ቤትፍርዲ ተዋሂቡዎም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እንተይውዓሉ ዝፀንሑ 5 ሺሕን 804ን ተጠርጠርቲ አበ ቀይዲ ውዒሎም ምርመራ ይግበረሎም ምህላዉ እቲ መግለፂ ሓቢሩ።

ብካልእ ወገን እቲ ሓራዊ ግብረ ሃይሊ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ዙሪያኣን ኣብ ዘካየዶ ሓበራዊ ኦፕሬሽን 51 ፅንፈኛታት ኣባላት ፋኖ፣ 174 ኣባላት ጉጅለ ግብራ ራዕዲ ህወሓት፣ 98 ኣባላት ሸኔ፣ ኣብታ ከተማ ጎነፃት ንምልዕዓል እንትንቀሳቐሱ ዝነበሩ 100 ተጠርጠርቲን 31 ኣባላት ኣልሸባብን ኣይኤስ ኣይኤስን ብድምሩ 454 ዕላምኦም ብምፍሻል ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሉ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓራዊ ግብረ ሃይሊ ንቐፃሊ እውን ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ንክቕፅል ተሳትፎ ሕብረተሰብ ንከይፍለዮ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.