Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘጋጠመ ድርቂ ዘብፀሖ ጉድኣት ንምንካይ ምስ ዓለም ለኸ ትካላት ይስራሕ ኣሎ – ዶክተር ሊያ ታደሰ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘጋጠመ ድርቂ ዘብፀሖ ጉድኣት ንምንካይ ምስ ዓለም ለኸ ትካላት እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዞባ ቦረና ዘጋጠመ ድርቂ ዘብፀሖ ጉድኣት ምስ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ ትካላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተዘዋዊረን ተዓዚበን።

ኣብቲ እዋን ዑደት፥ ሓለፍቲ ስራሕ ትካል ምግቢ ዓለም፣ ውድብ ጥዕና ዓለምን ዩኒሴፍን ተሳተፍቲ ኮይኖም፡፡

ሰበኽ ሳግም እቲ ከባቢ ኣብቲ እዋን ዑደት፥ ጉድኣት እቲ ድርቂ ዕዙዝ ከምዝኾ ብምሕባር ሓገዝ ንኽግበረሎም ሓቲቶም።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ብወገነን፥ ጉድኣት ድርቂ ንምክልኻል ቤት ዕዮ ሚኒስትራት ተዋዲዶም እናሰርሑ ከምዝኾኑ ኣብሪሀን።

እቲ ጉድኣት ንምክልኻልን ምላሽ ንመሃብን ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾኑን ኣብ ቀረብ ሃነፅቲ ምግቢታትን መሳርሒታት ሕክምናን ከምዝስራሕ እውን ገሊፀን።

ውድብ ጥዕና ዓለም 31 ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ መሳርሒታት ሕክምና ከምዝገበረ ገሊፀን።

ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም “ፋኦ” ኣብቲ ከባቢ ዝተቀነባበረ መኖ እንስሳት ምቕራብ ከምዝጀመረ ተሓቢሩ።

ብኣፈወርቅ እያዩን ታሪኩ ለገሰን

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.