ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ህዝባዊ ሰልፍታት ተሳሊጦም
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ህዝባዊ ሰልፍታት ተሳሊጦም።
እቲ ህዝባዊ ሰልፍታት፥ ኣብ ምዕራብ ሸዋ፣ ምብራቕ ሸዋ፣ ቄለም ወለጋን ዞባታት ኣርሲን ኢዩ ተኻይዱ።
ኣብቲ ሰልፊ ኣባ ገዳታት፣ ሃደ ሲንቄታት፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ዝተፋላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብን ተሳቲፎም።
“ሰላም ንምፅናዕ ግደና ንዋፃእ፣ ብምኽኒያት ስእነት ሰላም ዘጋጥም ስቓይ ህዝቢ ደው ይበል፣ ናብ ሰላም ምምላስ ዘበናዊነት ኢዩ”ን ካልኦትን ዝብሉ ጭርሖታት ኣብቲ ሰልፊ ከምዝቐረቡ ኣብ ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።