ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንዝርከቡ ተመዛበልቲን ዓቕመ ደካማታትን ንመውዐሊ ዒድ ኣልፈጥር ህያብ ተርኪቱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንዝርከቡ ተመዛበልቲን ዓቕመ ደካማታትን ንመውዐሊ ዒድ ኣልፈጥር ህያብ ተርኪቱ።
ማሕበረሰብ ዩኒቨርሲቲ ሰመራ ብምኽንያት ኲናት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ መዕቖቢ ጣቢያታት ኣሳኢታን ዱብቲን ንዝርከቡ ወገናት ልዕሊ 2 ሚሊየን ብር ብዝኾነ ወፃኢ ዝተገዝአ ሓገዝ ዓይነት ገይሮም፡፡
እቲ ሓገዝ ኣብ መዕቖቢ ዱብቲ ዝርከቡ ልዕሊ 1 ሺሕ መራሕቲ ስድራ ዘካተተ እንትኸውን፥ ንሕድሕዶም 25 ኪሎ ግራም ሕሩጭን 5 ሊትሮ ዘይቲ ብልዒን ሓገዝ ተገይሩ፡፡
ብተመሳሳሊ ማሕበር ልምዓትን ተራድኦን መናእሰይ ከሚሴ በዓል ዒደ ኣልፈጥር ምኽንያት ብምግባር ኣብ ከተማ ከሚሴ ን400 ዓቕመ ደካማታት ስድራቤት መኣዲ ኣካፊሎም።
ቅድሚ ሕዚ “ረመዳን ምስ መሳኪን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ን400 መራሕቲ ስድራ ልዕሊ ሓደ ሚሊየን ብር ወፃኢ ብምግባር ናይ ሓደ ወርሒ ሓገዝ ኣስቤዛ ምግባሮም ኣሚኮ ፀብፂቡ፡፡
ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።