ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት መቐለ ተዘርጊሖም ዝሽየጡ ዕሹጋት ማይ ጠንቂ ጥዕና ሕብረተሰብ ከይኾኑ ጥንቓቐ ክግበር ከመዝግባእ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከተማ መቐለ ተዘርጊሖም ዝሽየጡ ዕሹጋት ማይ ጠንቂ ጥዕና ሕብረተሰብ ከይኾኑ ጥንቓቐ ክግበር ቤት ፅሕፈት ሓለዋ ጥዕና ከተማ መቐለ ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ኣብ ደገ ዕሹጋት ማይ ዘርጊሖም ንዝሸጡ ዘይሕጋውያን ነጋዶ ስጉምቲ ከምዝወስድ ኢዩ እቲ ቤት ፅሕፈት ዝገለፀ።
ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ዝርከቡ ዘይሕጋውያን ነጋዶ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዕሹጋት ማይ ሒዞም ክሸጡ ምርኣይ ይልመድ ኣሎ።
ቁፅሮም ዘይነዓቑ ነጋዶ በቢቦትኡ ፀሓይ ዝወቕዖም ዕሹጋት ማይ ብምሻጥ ኣብ ሕብረተሰብ ዘብፅሖ ሳዕቤን ብዙሕ እዩ ተባሂሉ።
ሕብረተሰብ ነቶም ኣብ ደገ ፀሓይ እናወቕዖም ዝውዕል ብፕላስቲክ ዝዕሸጉ ነገራት ካብ ምግዛእ ብምቑጣብ ጥዕንኡ ክሕሉ ከም ዝግባእ ኣብ ቤት ፅሕፈት ሓለዋ ጥዕና ከተማ መቐለ ክኢላ ቁፅፅር ጥዕና ኣይተ ገዛኢ ጎድፋይ ገሊፆም።
ይኹን እንበር ንጥዕና ሕብረተሰብ ተሓሳቢ ገይሮም ግዚኦም ዘይሓለፎምን ዕሹጋት ነገራት ኣብ ክቕመጠሎም ዝግባእ ብምኽዛን ዝሸጡ ሕጋውያን ነጋዶ ስለዘለዉ ተጠቃማይ ካብቶም ሓላፍነት ዝስመዖም ኣለልዩ ክገዝእ ከም ዝግባእ እቶም በዓል ሞያ ወሲኾም ገሊፆም።
ከም ኣገላልፃ ኣይተ ገዛኢ ብፍላይ ብፕላስቲክ ዝዕሸጉ ማያት፣ ልስሉሳት መስተ፣ ዘይቲ ብልዒ መጥቀሚ ግዚኦም ዋላ ኣይሕለፍ ፀሓይ እንትወቕዖም እቲ ናይ ፕላስቲክ መስርሒ ንጥረ ነገር ናብቶም እንጥቀመሎም ፈሰስቲ ስለ ዝኣቱ ካብ ቅፅበታዊ ዝኾነ ቁርፀት ከብድን ተቕማጥን ሓሊፉ ኣብ ነዊሕ እዋን እውን ንሕማም ካንሰር ዘቃልዕ ምዃኑ ሳይንስ ኣረጋጊፅዎ እዩ ኢሎም።
ኣብ ከተማ መቐለ ዝበራኸት ዘሎ ዘይሕጋዊ ንግዲ ጥዕና ሕብረተሰብ ኣብ ሓደጋ ንኽኣቱ ይገብር ብምህላዉ ነጋዶ ነዚ ተገንዚቦም ካብቲ ዘይሕጋዊ ተግባር ዓርሶም ክቑጥቡ እንድሕር ዘይክኢሎም ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰደሎም ምዃኑ እቶም በዓል ሞያ ጥዕና ሓቢሮም።
ፍልፍል፦ኤመሓት
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።