ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲ ኬኒያ ዝነበሩ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም
ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ሓምለ ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲ ኬኒያ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።
ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጣቢያታት ፖሊስ ካቱንዱ፣ ኪያምቡ፣ ቲካ፣ ጊጊሪ፣ጁጃን ሩይሩን ተኣሲሮም ዝነበሩ 117 ዜጋታት ምስ ቢሮ ምርመራ ገበን ኬንያ ብምትሕብባር ናብ ሃገሮም ይምልሶም ኣሎ።
ብመሰረት እዚ ኣብ ቀዳማይ ዙር 60 መናእሰይ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣለዉ።
እተ ዝተረፉ ድማ ኣብ ቀፀልቲ ክልተ ዙራት ከምዝምለሱ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።